eritrean medhanie tesfamariam victim of wrong arrested

3d2841359367e88cc0152abec98b6a35

This guy is innocent .this is not the world smuggler we need .he is not working like that. So guys first u have to recognize the one who smuggle our people with selfishness working. says one of our follower in Facebook 

https://www.youtube.com/watch?v=F8-YuZHqLrY

also other man by the name of robel says to us in a privet conversation

13406893_1579247575701527_1687477430798995330_n this is the real medhanie

እዚ ሰብ መድሃንዬ ተስፋማርያም በርሀ ዱኪዳነ ዩ ዝብሃል ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ብ 1989 ተወልዱ ዓብዩ ።ካብ 1- ክሳብ 5 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቆሓይቶ 6ይ 7 ይ ቤት ሓርበኛታት 8 ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ብድሆ 9ይ 10ይ 11ይ ቤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደ መድህን ተማሂሩ ኣብ 2008 ናብ ሳዋ ወሪዱ 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ ድሕሪ ምምሃሩ ኣስመራ ተመሊሱ ከም እንደገና ናይ ሞያ ክምሃር ብ ሃማሞስ ዝፍለጥ ኣብ ሳዋ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ሞያ ይምሃር ኔሩ ብድሕሪ ዚ ኣብ ተሰነይ ካ ተተመደበ ግን ከም ኩሉ መንእሰይ ግን ናብ ቦትኡ ኣይ ከደን፡፡ክሳብ 2014 ድማ ኣብ ኣስመራ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኔሩ። 17/10/ 2014 ብ ስግረ ዶብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ክሳብ ወርሒ 4 2015 ኣብ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ።ወርሒ 4 ናይ 2015 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን መጺኡ ክሳብ 29/5/2016 ኣብ ሱዳን ጸኒሑ ። ሃንደበት ግን ኣባላት ጸጣ ሱዳን ብ ስም መድሃኔ ጥራይ እቲ ን ነዊሕ እዋን ዝድለ ዝነበረ መሲልዎ ብ ገጋ ካብ ካርቱም ዴብ ዝብሃል ከባቢ ወሲዶሞ ። ሃለዋቱ ን ምፍላጥ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ተባሂሉ እሱ ከም ዘይ ኮነ ብ ከመይ የረድኣዮም ቓንቃ ዓረብ ፍጹም ኣይ ክእልን ዩ ወላ ማይ መስተዪ የብሉን ።በቃ መስኪናይ ሱሳን መፋተዊ ምስ ኢታሊ ጌሮሞ ኣለዉ ግን ሓቂ ቀስ ኢላ ያ ትግሃድ ። እንኳዕ ሞ ናብ ዓዲ ሕጊ ብጽሕዎ ሕጊ ባዕሉ ንጽህንኡ ከግህደሉ ዩ።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ተጠርጢሩ ብዝልዓለ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ካብ ሱዳን ኣምጽኤዮ ኢሉ ስእሉ ዝዘርግሖ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ንሱ ከምዘይኮነ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ፖሊስ ኢጣልያ ሒዘዮ ኢሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲቺልያ ብፖሊሲ ተዓጂቡ እናወረደ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሕዎ ዘሎ መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ተራ ስደተኛ ኮይኑ ፖሊስ ሱዳን ብ29 ግንቦት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ገፊፉ ዝቐየዶ’ዩ።

ምስቲ ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ ተመሳሳሊ ስም ስለዘለዎ ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሱዳን ክምርመር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ7 ሰነ ናብ ኢጣልያ ተረኪቡ።

እዚ ብጌጋ ብስም መድሃኔ ኣብ ኢጣልያ ተቀይዱ ዘሎ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዝቀልጠፈ ንኽልቐቕ ኩሉም ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከሐይሉ’ውን ካብ ፈለጥቱን ስድራቤታቱን ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ብማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ከምተታሕዘ ዝግለጽ ዘሎ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ምትሓዙ ዛጊት ዝተነጸረ የለን።

ይኹን’ምበር ፖሊስ ሱዳን ብምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ ብውሕዱ 25 ሰባት ቀይዶም መርመራ የካይድሎም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክቱ።

read more here www.erena.com

Category:

Eritrean news, NEWS

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*